እቲ ሕጂ ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላውን መዋጺኡውን
ቀንዲ መበገሲ ሓቅታት፣
- ኣብይ ኣሕመድ ንምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ሕገመንግስታዊ ዋናታቶም ናይ ምምላስ ድሌትን ቕሩብነትን ኣለዎ ወይ ከዓ ክሕለዎ ይኽዕል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ለዋሕነት እዩ። ኣይገብሮን።
- ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዋና መበገሲ ዝግበሮ ስትራቴጂ ንትግራይ ምድኻም እስካብ ዝጠቐሞ ጥራሕን ጥራሕን እዩ።
ኣብዞም ኽልተ ሓቅታት ተደሪኽና፣
ኹሎም ኣብ ትግራይ ብዘተፈላለይ ኣረዳድዓ ዝተሰለፉ ሓይልታት ንቲ ሕዝቢ ግልጺ ጌሮም ክገልጹሉ ዝግበኦምን ዘለዎምን ጉዳያት:
- እቲ ሓቂ እዚ ካብኮነ፣ ግዝዓታት ትግራይ ብኸመይ ዝበለ ኣግባብን መዓዝን ናብ ቦትኡ ይምለስ፣ እቲ ፎቖድኡ ተበቲኑ ዝርከብ ሕዝብና ናብ መረበቱ መዓዝ ይምለስ?ውዕሊ ፕሪቶሪያ እናበልና ኝኝ እናበልና ጊዜና ነጥፍዕ እምበር ካብቲ ውዕሊ ጠብ ትብል ውጽዒት ምጽባይ ነቶም ሓቅታት ዘይምርዳዕን፣ ካብ ቐደም ስትራቴጂካዊ ስሕተታትና ዘይተኣረምና ምዃና ጥራሕ እዩ ዘርዒ።
- እዚ ንምግባር እንታይ ኣይነት መቃለሲ ሜላን ኣግባብን ትጥቀሙ?ድሌት ጥራሕ እምበር ብትገባር ሓደ ኽልተ ኢሉ ዘቐመጠ ኣካል ክሳብ ሕጂ ኣይረዐናን።
ከም ኣነ፣ ንወረርቲ ሓይልታት ካብ ግዝዓትና መሊዕኻ ንምብራር ወይ ንምጽራግ ትግራይ ዘላታ ብሕታዊ መማረጺና ሓይሊን ሓይሊን ጥራሕ እዩ።
እቲ ሕቶ ትግራይ እቲ ዘድልይ ኣቕሚ ኣለዋ ድዩ የብላን ዝብል ይኸውን።
ትግራይ ኣቕሚ ክሳብ ትውንን ንጽበ ማለት ተስፋፋሕቲን ወረርቲን ብዝዛየደ ናይ ምኽለኻል ኣቕሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝበለጸ ንኸጥቅኡና ዕድል ዝሕብ ምዃኑ ምርዳዕ የድሊ። ዋላ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ዝገብሩዎ ምንቅስቃስን ድልውነትን ርዒኻ ምግማት ኣይከብድን።
ከም ከማይ፣ ኹሎም ሓይልታት ትግራይ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ናብ ሓደ ከምጽኦም ዝግባዕ ዛዕባ ነዚ ጥረ ሓቂ ምቅባልን፣ ንመፍትሒኡ እውን ብሓደ ምስላፍ ጥራሕ ይኸውን።
ኣብ ሓደ ምስላፍ ወሳኒን፣ ትግራይ ሕጂ ዘለዋ ብሕታዊን ካሊዕ መማረጺ ዘይብሉ ስትራቴጂ እዩ ኢለ ይኣምን። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ኣማራጺ ትግራይ ትበሓል ዓዲን ትግራዋይ ዝባሓል ዓሌትን ጠቕሊሉ ክጠፍዕ ምፍቓድን ኹነታት ምምችቻውን እዩ ዝኸውን።
ትግራይ ካብዚ ወፃኢ ብሰላማዊ መንገዲ ሉዓላዊ ግዝዓታን ሰላማን ትረኽበሉ ኣግባብን ሜላን እንድሕር ኣሎ ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ እንድሕር ኣሎ ቐሪብ የርድዕ።
ሕጂውን ብረታዊን ዕጥቃዊን ቃልሲ ከይፈተና ንኣተወሉ ብሕታዊ መማረጺና እዩ።
Related Essays
All essays →ቐዳምነት ዘለዎ፣ ክንህቦ ዝግባዕ ዛዕባ ሕማምን ጸገምን ትግራይ
ብዙህ ሰብና ብዛዕባ ድሕነት ትግራይ እንክዛረብ እንከሎ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትና ብፍላይ ኣብ ህወሓት ዘሎ ናይ ፖለቲካ ክልሰ ሓሳብ ምምዕርራይ ከምዘድልዮን ከምዝግባዕን ክትንትኑ ይዕዘብ። ንቡርን ባሕሪያውን እዩ ኢለ ይኣምን። ግና፣ እቲ መሰረታዊ ሕጂ ዘለናሉ ኹነታት ፖለቲካዊ ምምዕርራይ ብቀዳምነት ዘድልዮ ጉዳይ ጌይረ ኣይወስዶን።
The Political Crisis Within TPLF: Diagnosing Organizational Weakness and the Need for Renewal
This analysis represents a personal perspective from a technical professional born and raised in Addis Ababa, who later began his career in Tigray in the mid-1990s and spent significant time living and working there.
A Bitter Path to Sovereignty: The Strategic Dilemmas Facing Tigray Today
Editorial note: This essay was written during an earlier phase of Tigray’s post-war strategic uncertainty. It should be read as an argument for strategic capacity, self-determination, and survival under constrained conditions, not as a declaration that one constitutional endpoint has already been decided.