እቲ ሕጂ ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላውን መዋጺኡውን

ቀንዲ መበገሲ ሓቅታት፣

  • ኣብይ ኣሕመድ ንምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ሕገመንግስታዊ ዋናታቶም ናይ ምምላስ ድሌትን ቕሩብነትን ኣለዎ ወይ ከዓ ክሕለዎ ይኽዕል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ለዋሕነት እዩ። ኣይገብሮን።

  • ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዋና መበገሲ ዝግበሮ ስትራቴጂ ንትግራይ ምድኻም እስካብ ዝጠቐሞ ጥራሕን ጥራሕን እዩ።

ኣብዞም ኽልተ ሓቅታት ተደሪኽና፣

ኹሎም ኣብ ትግራይ ብዘተፈላለይ ኣረዳድዓ ዝተሰለፉ ሓይልታት ንቲ ሕዝቢ ግልጺ ጌሮም ክገልጹሉ ዝግበኦምን ዘለዎምን ጉዳያት:

  1. እቲ ሓቂ እዚ ካብኮነ፣ ግዝዓታት ትግራይ ብኸመይ ዝበለ ኣግባብን መዓዝን ናብ ቦትኡ ይምለስ፣ እቲ ፎቖድኡ ተበቲኑ ዝርከብ ሕዝብና ናብ መረበቱ መዓዝ ይምለስ?ውዕሊ ፕሪቶሪያ እናበልና ኝኝ እናበልና ጊዜና ነጥፍዕ እምበር ካብቲ ውዕሊ ጠብ ትብል ውጽዒት ምጽባይ ነቶም ሓቅታት ዘይምርዳዕን፣ ካብ ቐደም ስትራቴጂካዊ ስሕተታትና ዘይተኣረምና ምዃና ጥራሕ እዩ ዘርዒ።
  2. እዚ ንምግባር እንታይ ኣይነት መቃለሲ ሜላን ኣግባብን ትጥቀሙ?ድሌት ጥራሕ እምበር ብትገባር ሓደ ኽልተ ኢሉ ዘቐመጠ ኣካል ክሳብ ሕጂ ኣይረዐናን።

ከም ኣነ፣ ንወረርቲ ሓይልታት ካብ ግዝዓትና መሊዕኻ ንምብራር ወይ ንምጽራግ ትግራይ ዘላታ ብሕታዊ መማረጺና ሓይሊን ሓይሊን ጥራሕ እዩ።

እቲ ሕቶ ትግራይ እቲ ዘድልይ ኣቕሚ ኣለዋ ድዩ የብላን ዝብል ይኸውን።

ትግራይ ኣቕሚ ክሳብ ትውንን ንጽበ ማለት ተስፋፋሕቲን ወረርቲን ብዝዛየደ ናይ ምኽለኻል ኣቕሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝበለጸ ንኸጥቅኡና ዕድል ዝሕብ ምዃኑ ምርዳዕ የድሊ። ዋላ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ዝገብሩዎ ምንቅስቃስን ድልውነትን ርዒኻ ምግማት ኣይከብድን።

ከም ከማይ፣ ኹሎም ሓይልታት ትግራይ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ናብ ሓደ ከምጽኦም ዝግባዕ ዛዕባ ነዚ ጥረ ሓቂ ምቅባልን፣ ንመፍትሒኡ እውን ብሓደ ምስላፍ ጥራሕ ይኸውን።

ኣብ ሓደ ምስላፍ ወሳኒን፣ ትግራይ ሕጂ ዘለዋ ብሕታዊን ካሊዕ መማረጺ ዘይብሉ ስትራቴጂ እዩ ኢለ ይኣምን። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ኣማራጺ ትግራይ ትበሓል ዓዲን ትግራዋይ ዝባሓል ዓሌትን ጠቕሊሉ ክጠፍዕ ምፍቓድን ኹነታት ምምችቻውን እዩ ዝኸውን።

ትግራይ ካብዚ ወፃኢ ብሰላማዊ መንገዲ ሉዓላዊ ግዝዓታን ሰላማን ትረኽበሉ ኣግባብን ሜላን እንድሕር ኣሎ ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ እንድሕር ኣሎ ቐሪብ የርድዕ።

ሕጂውን ብረታዊን ዕጥቃዊን ቃልሲ ከይፈተና ንኣተወሉ ብሕታዊ መማረጺና እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

en_USEnglish