ቐዳምነት ዘለዎ፣ ክንህቦ ዝግባዕ ዛዕባ ሕማምን ጸገምን ትግራይ

ብዙህ ሰብና ብዛዕባ ድሕነት ትግራይ እንክዛረብ እንከሎ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትና ብፍላይ ኣብ ህወሓት ዘሎ ናይ ፖለቲካ ክልሰ ሓሳብ ምምዕርራይ ከምዘድልዮን ከምዝግባዕን ክትንትኑ ይዕዘብ። ንቡርን ባሕሪያውን እዩ ኢለ ይኣምን። ግና፣ እቲ መሰረታዊ ሕጂ ዘለናሉ ኹነታት ፖለቲካዊ ምምዕርራይ ብቀዳምነት ዘድልዮ ጉዳይ ጌይረ ኣይወስዶን።

ሕጂ ትግራይ ተቐቒራትሉ ዘላ ዋና ሓደጋ ግዝዓታዊ ሓድነታ ተጋሒሱ፣ ሓለዋት ሕዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወደቐሉ ኹነታት ኢና ዘለና። ምስዑ ተታሓሒዙ፣ ሕዝብና ብጸላዕቲ ተኸቢቡ ጸገማቱ ክምቲ ዝደልዮ ኣግባብ ንከየናዲ ተከልኪሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣበይ ከይበጽሕ እንዳተብሓለ እውን ብጸላዕቲ ይብጨወሉ እዩ ዘሎ።

እዚ ከይኣክል፣ ርኡይ ብዝኾነ መንገዲ ንኒባዕሉ ክናኸስ እውን ይስራሕ ኣሎ።

እሞ፣ ካብዚ ሓደጋ ቀልጢፍካ ንምውጻዕ ድዩ እዚ ናይ ፖለቲካዊ ክልሰሓሳብ ኣድላይነት?ፖለቲካ እኮ ዘድልየካ፣ ውሕስ ዝኾነ ምምሕዳራዊ ግዝኣትን ሓድነትን እንክሕልወካ እዩ።

ዋላ ከም ኣተሓሳሰባ ሕማቕ ዋላ ኣይኹን፣ ብመንጸር ሕዝብና ኣትዩዎ ዘሎ ሃሳር መከራ ግን ቀዳምነት ጌርና ንወስዶ ዛዕባ እዩ ኢለ ኣይዓምንን።

ሕጂ ትግራይ ዘድልያ ግዝኣታዊ ሓድነታ ምውሓስ ደሕንነት ሕዝባ ምርግጋጽ እዩ። ብቑልጡፍ።

እዚ ንምግባር ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ(ሓምት) ሓላፊነት ክወስዱ ኣለዎም።

ኣነ ብውልቀይ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣቢሉ ዝመጽዕ ግዝኣታዊ ሓድነት ይኹን ደሕንነት ሕዝብና ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፣ ባሕሪን ድሌትን ጸላዕቲ ብደምቢ ስለዝርዳዕ።

ፖለቲካዊ ውዳበታትና ድህሪ ግዝኣታዊ ሓድነትና ንዘድልየና ባይታ ይዳለው፣ ሕዝቢ ሽኡ እቲ ይጠቕመኒ፣ ይሕሸኒ ዝብሎ ይመርጽ።

ግዜ ብዝነውሐ ቑጽሪ፣ ትግራይ ካብቲ ሕጂ ዘላቶ ብዝገደደ ዝተሸርመመት፣ ተገደደ እውን ትግራይ ትበሓል ዓዲ፣ ትግራዋይ ዝባሓል ዓሌት ናይ ምንባሩ ጉዳይ ክስቆረና ይግባዕ።

ሓየ ደዓ ሓምት፣ ተንቀሳቀስ። ቅዋምካ ኣፍልጥ፣ ግጠም እንተስ ብሰላም እንተስ ብጉልበት።

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

en_USEnglish